ዛንታ ኣቦይ ተስፍኡ!

ብሰንኪ ናይ ፅንተት ሓይሊታት ኣብ ትግራይ ዘይተነገረ እምበር ዘይተገበረ ግፍዒ የለን:: ወረርቲ ሓይሊታት ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ክፍፀም እዩ ኢልካ ዘይትግምቶ ኩሎም ዓይነት በደላት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ትግራይ እናፈፀሙ መፂኦምን ኣለዉ::

ኣቦይ ተስፍኡ ዘዉደ ነባሪ ወረዳ ጉለምኸዳ ጣብያ ፍረዳሹም ከባቢ ገረዉ እዮም ኣብ 2013 ዓ/ም ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብቲ ከባቢ ብሓይሊ ወሪሩ ምስ ኣተወ ንሰለስተ ደቆም ማለት እዉን ኣለም ፣ ሓዱሽን ፍፁምን ብግፍዒ ከም ዝቐተሎም ይገልፁ::

እቶም ኣራዊት ሰራዊት ቀቲሎም እንተብቅዑ ትንፋሶም ሓቢኦም ከይኮኑ ኢሎም ብካራ ኣብ ኣፍልቦም እናወግኡ ይፍትሽዎም ከም ዝነበሩ ድማ የረድኡ:: ንመዓልቲታት ሬሳ ደቀይ ከም ስጡሕ ክሕሉ ተገዲደ ደቀይ ኣብ ቤተክርስትያን ክይቀብር በቶም ግፍዐኛታት ፀላእቲ ተኸልኪለ ኣብ ኣፍደገ ገዛይ ቀቢረዮም ክወፅእን ክኣትዉን እናነባዕኹ …” ከመይ ዉዒልኩም ? ከመይ ሓዲርኩም ? ” እናበልኩ ምስ ሬሳ ደቀይ ከዉግዕ እየ ፀኒሐ ክብሉ ድማ ንብዓቶም ኣሰንዮም ነቲ ኩነታት ንድሕሪት ምልስ ኢሎም የዘንትዉ::

ደቀይ ጠወርተይን ኣለይተይን ነይሮም ዝብሉ ኣቦይ ተስፍኡ እቶም ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ክቀትልዎም እንትዳለዉ ” ሓደ ገዲፍካ እንዶ ንኣይ ብኡኡ ተኪእኻ ቅተለኒ ” ኢለዮ “ንኣኻ ጠስጣስ ኣረጊት ቀቲለ እንታይ ይርባሕ” ኢሉ ብቡዙሕ ጠያይቲ ቶኪሱ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ከም ዝቀተሎም ይዛረቡ::

ኣብ ከባቢ ገረዉ ንደቆም ኣቦይ ተስፍኡ ዘዉደ ሓዊሱ ሸሞንተ ወገናት ብግፍዒ ተቀቲሎም ከክልተ ሰብ ኣብ ኣርባዕተ ጉድጓድ ኣብ ኣፍደገ ገዛ እቶም ወላዲ ተቀቢሮም ዝፀንሑ ኮይኖም ስድራ እቶም ግዳያት ንስነልቦናዊ ፀቅጢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይሳጥሑ ስለ ዘለዉ ዝምልከቶ ኣካል ፈቂዱ ሬስኦም ክለዓል ተገይሩ ኣሎ::

ኣቦይ ተስፍኢ ይኹኑ ካልኦት ስድራ ግዳያት ሂወት ንፁሃት ዜጋታት ዝቐተሉ ኣካል ዘጉደሉ ይኹኑ ንብረት ዝራሸዩን ዘዕነዉን ፀላእቲ ብሕጊ ክሕተቱ ሕዚ እዉን ደጋጊሞም እናፀዉዑ እዮም።

ፍትሒ ክረጋገፅ ኩሉ ትግራዋይን ፈተዉቲ ትግራይን ክሰርሕ ድማ የተሓሳስቡ::

ከይርሳዕ ከይድገም!!

Source: Dimtsi Weyane