65 year-old-nun Ti’emtu Afewerki returned from Israel a few years ago, after the death of her older sister, to raise the three orphans she left behind. A resident of Setit Humera in Western Tigray, Tiemtu said she was gang-raped by three Eritrean soldiers. She died a few months later in Shire where she was displaced to.



3 ኣራዊት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ እሞሆይ ዝፈፀምዎ ፆታዊ መጥቃዕቲ
እሞሆይ ጥዕምቱ ኣፍወርቂ ጓል 65 ዓመት መናኒት ነባሪት ከተማ ሰቲት ሑሞራ እየን፡፡ ብዘይካ ዳዊትን መድገምያን ካሊእ ዘይፈልጣ እዘን መናኒት ቅድሚ ሕደት ዓመታት ዓባይ ሓፍተን ብሞት ምስ ተፈለየአን ካብ ዝነብራሉ ሃገረ እስራኤል ንቶም ሓፍተን ዝገደፈትለን ሰለስተ ዘኽታማት ህፃውንቲ ክናብያ ናብ ዓደን ተመሊሰን፡፡
ድሕሪ እዚ እዩ እምባኣር ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ምስ መላፍንቶም ናብቲ ስቡሕ መሬት ትግራይ እግሮም ምስ ረገፁ ፆታዊ ጥቅዓት ከም መሳርሒ ጀኖሳይድ ተጠቂሞም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ክፍፅሙ ዝጀመሩ፡፡
እሞሆይ ጥዕምቱ እውን ልክዕ ከምተን ውርዝያት ተጋሩ መናእሰይ ኣብ ልዕሊአን በቶም ቁሩብ ሰብኣውነትን ርህራሄን ዘየብሎም ጨካናት ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፀሐ፡፡
ካብታ ብፍቅሪ ምስ ደቂ ሓፍተን ዝነብራላ ዝነበራ ቤተን በቶም ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊአን ግፍዕን መከራን ምስ በዝሐን ናብ ከተማ ሽረ ዝተመዛበላ እሞሆይ ኣብ ልዕሊ ድኽነተን ምራኸን ትሞተን ከምዝበሃል ዝበፀሐን ፆታዊ መጥቃዕቲ እውን ብሓለንጊ ሰብ ሰራሕ ጥሜት ይሳቀያ ከምዘለዋን ቆልዑ ሕድሪ ደቂ ሓፍተን ዝበልዕዎ ብመስኣን ከፍቲ ክጓሰዩ ናብ ሰብ ከምዘፀገዐኦም ተዛሪበን፡፡ ካብቲ ዝሓለፎኦ እዋን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋላ ምስ ጥምየተን ናይ ሰላም ንፋስ የተንፍሳ ምህላወን ገሊፀን፡፡
ብሰመረ ገ/መስቀል (ጋዜጠኛ)
Source: Tigrai TV