ዕንወት ፋብርካ ሕሩጭ ዋልያ

ፋብርካ ሕሩጭ ዋልያ ካብቶም ብወራሪ ሰራዊት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝዓነውን ዝተወረሩን ትካላት ውልቀ ሰባት ከተማ ዓድግራት ሓደ እዩ፡፡በዚ ድማ ንልዕሊ 17 ሚሊዮን ብር ዝግመት ሃፍቲ እቲ ፋብርካ ከም ዝዓነወ በዓል ዋና እቲ ፋብርካ ኣይተ ፍኖት ሃይሉ ገሊፆም፡፡

እቲ ፋብርካ ንልዕሊ 50 መንእሰይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ኣብ ምንካይ ስእነት ስራሕ ንምርግጋፅ ልምዓት ትግራይን ልዑል ተራ ዝነበሮን ፋብሪካ ሕሩጭ ዋልያ ብዝበፅሖ ዕንወት ሙሉእ ብሙልእ ጠጠው ምባሉ ንህይወት እቶም ሰራሕተኛታት ንሓደጋ ጥሜት ከም ዘተቃልዖም ኣይተ ፍኖት ኣረድኦም፡፡

ፀላእቲ ንደመኛታት ህዝቢ ትግራይ ከም ዘይትስእ ጌርካ ንምጥፋእ ንዓመታት ዝሸርሕዎ እዩ ዝበሉ ኣይተ ፍኖት ብእነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣብ ዝሓፀረእዋን ዳግማይ ህንፀት ትግራይ ክነረጋግፅኢና ክብሉ ብሕራነ ገሊፆም፡፡

Source: Tigrai TV