ሰራዊት ፋሽሽት ኣብይ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ምላዛት ህይወት 8ተ ሓረስቶት ቐጥፎም

ስድራ ግዳያት ብወገነን 21 ሰነ 2013ዓ/ም ህይወት ስድረአን ዝሰኣናላን ጅግና ሰራዊት ትግራይ ወሳናይ ምዕራፍ ቃልሲ ዝተዓወተላን ዕለት ከምዝኾነት ብምግላፅ ሽዑንሽዑ ሕንአን ከምዝተፈደየለን ተዛርበን፡፡

ዕሱባት ሰራዊት ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድን ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ መሬት ትግራይ ዓርደምሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ዓለም ኣሎ ዝተብሃለ ግግፍዒታት ኩሉ ፈፅሞም እዮም፡፡

እዞም መሰረት ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ሃቅዶም ናብ መሬት ትግራይ ዝኣተዉ ዕሱባት ሰራዊት ብጅግና ሰራዊት ትግራይ ካብ መሬት ትግራይ ተፀራርጎም ዝወፅኡ እንትኸውን ኣብ ኣጋ ዕርበቶም እውን ህይወት ብርክት ዝበሉ ወገናት ተመላልኦምዎ ወፅኦም እዮም፡፡

ኣብ ወርሕ ሰነ21 2013 ዓ/ም እውን ብጅግና ሰራዊት ትግራይ ኣልባቡ ዝጠፍኦም ዕሱባት ሰራዊት ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ኣድግስያ ድሕረይ ዳንደር ኣይትብቖል በለት ኮይኑ ኣብ መንገዱ ዝረኸቦ ገዛ ሓረስታይ ወረዳ እንደርታ እናኸፈተ 8ተ ህይወት ሓረስታይ ተመላልኡ ከይዱ ፡፡

እዚ እኩይ ተግባር እዞም ፋሽሽታዊያን ወረርቲ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኢና ኣዕልልናኩም እምበር ኣብ ብርክት ዝበለ መንበር ገዛ ዘንኩሓኩሐ እዩ። ዘለናሉ ወቕቲ ቀውዕ ምስቲ ምኻኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ባህሊ ምትሕግጋዙ ብምዕባይ እኽል እዞም ስድራ ግዳያትን ፅጉማት ወገናትን ክንእክበሎም ይግባእ፡፡

ብገነት ካሕሳይ

Source: Tigrai TV