ኣብ 13 ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ዝትፈፀመ ዘስክሕክሕ ግፍዒ

ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ጨፍጫፍን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢሮብ ዝፈጸመ ኣራዊት ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ትርከብ ጣብያ ገማዳ ተባሂላ ኣብ እትፅዋዕ ሓንቲ ጣብያ ጥራሕ 13 ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ኣብ ወረዳ ሩባ ኣኪቡ ብኣልማሚት ጨፍጪፉዎም።

Eritrean forces massacred 13 members of the same family in just one village of Tigray’s Irob district

ጳዉሎስ ኣብርሃ በቶም ኣራዊት ሰራዊት ብጠያይቲ ተወቂዑ ሞይቱ እዩ ተባሂሉ ዝተደርበየ ግን ድማ ዲሒኑ ሐዚ ንምስክርነት ዝበቀዐ ነባሪ እታ ጣብያ ኮይኑ እቶም ብኣልማሚት ዝተቀተሉ 13 ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ታሕሳስ 29, 2013 ዓ.ም በዓል ልደት ምስ ስድርኦም ኮይኖም ኣብ ዘኽብርሉ እዋን በቲ ኣራዊት ሰራዊት ሻዕብያ ከካብ ገዝኦም ተኣኪቦም ኣብ ሓደ ሩባ ወሲዶም ከም ዝረሸንዎም ተዛሪቡ።

ኣራዊት ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ጣብያ ገማድ ብተወሳኺ ኣብ ጣብያ ዓሊቴና ኣብ ዝርከባ ቁሸት ዓይጋን ኣዎን ከምኡ እዉን ኣብ ጣብያ ሓረዘ ሰብዓታ ንዝነብሩ መናእሰይን ዓበይቲ ወለድን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣኪቡ ብምጭፍጫፍ ኣስከሬኖም ድማ ብኣራዊት ክብላዕ ከም ዝገበረ ስድራ ግዳያት ንቴሌቪዥን ትግራይ ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዛጊድ ብዝተገበረ ዳህሳስ ልዕሊ 60 ሰለማዊያን ነበርቲ ብኣራዊት ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተጨፍጨፉ ተወካሊ ምምሕዳር ወረዳ ኢሮብ መምህር ተስፍይ ካሕሳይ ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ ጥሪት እንስሳ ገባራት ብምስራቅን ገባራት ድማ መሬቶም ከይሓርሱ ብምኽልካልን ህዝቢ ኢሮብ ብጥምየት ንክመዉት ገይሮም። ብምኳኑ እዚ ደመኛ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሓመድ ድበ ዝኣቱ ህዝቢ ኢሮብ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ነበርቲ እታ ወረዳ ኣረጋጊፆም እዮም።

ብክብሮም ተስፋይ (ጋዜጠኛ)

Source: Tigrai TV