ብደብዳብ ድሮን ልዕሊ 300 ደቂ ትግራይ ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም

#ፋሽሸት ኣብይን ሰዓብቱን ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ብዘካየድዎ ደብዳብ #ድሮን ልዕሊ 300 ደቂ ትግራይ ግዳይ ሞትን መቁሰልትን ኮይኖም፡፡

እዞም ተስፋሕፋሕቲ ወረርቲ ሓይሊታት ኣብ ከባቢታት #ዓዲ ዳዕሮ፣ #እንዳባጉና፣ ማይ ፀብሪ፣ #ደደቢት፣ ሽረን ዓዲ ኣውዓላን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ሰላማውያን ሰባት፣ማዓስከር ስደተኛታትን እንዳመጥሓንን ብተደጋጋሚ ደብዳብ ድሮን ዘካየዱ ኾይኖም በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ህይወት ሰለማውያን ሰባትን ጉድኣት ክበፅሕ ክኢሉ እዩ፡፡እዚ ድማ እዞም ፋሽሽታውያን ወረርቲ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናፈፀምዎ ዘለዉ ዘይዛረየ #ጆኖሳይድ መቐፀልታ ከምዝኾነ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣይተ ተኽላይ ገ/መድህን ገሊፆም፡፡

ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍፀም ዘሎ ክባን ዕፅዋን ብኣውርኡ ድማ ደብዳብ ድሮን ዝወፅእ ብቅልፅሙ ጥራሕ ምኻኑ ኣሚኑ ኩሉ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣሐይሉ ክቕፅል ይግባእ ክብሉ ኣይተ ተኽላይ ኣገንዚቦም፡፡

ሙስጦፋ ጡሃ

Source: Tigrai TV