Eritrean forces brutally massacred at least 70 unarmed civilians in Jira sub-district in Tigray’s district of Adet. More than 20 of the 70 civilians killed in the district were traveling in a vehicle from Axum to Adet district when Eritrean troops forced them to get off the bus and executed them, the victims’ families said. The victims’ families and residents said the army had built a bunker on top of the dead bodies and made it their residence. This made it very difficult for families to bury the dead for almost 30 days.

ኣብ ዞባ ማእከል ጣብያ ጅራ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 70 ሰላማዉያን ሰባት ብጅምላ ብግፍዒ ተረሺኖም

መቐለ፡19/ጥሪ2014 ዓ/ም (ድ.ወ.ት) ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ወረዳ ዓዴት ጣብያ ጅራ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 70 ሰላማዉያን ሰባት ብጅምላ ብግፍዒ ከምዝረሸንዎም ስድራ ግዳያትን ነበርቲ እታ ጣብያን ገሊፆም።

Eritrean forces brutally massacred at least 70 civilians in Jira Village in Tigray’s Adet district

ካብቶም 70 ሰላማዉያን ሰባት እቶም ልዕሊ 20 ካብ ከተማ ኣክሱም ናብ ወረዳ ዓዴት ብተሸከርካሪት ዝጎዓዙ ዝነበሩ ኾይኖም ፣ ካብታ ናይ ህዝቢ መጎዓዝያ ብምዉራድ ከም ዝረሸንዎም ስድራ ግዳያት ገሊፆም።

ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ልዕሊ እቶም ሬሳታት ድፋዕ ሰሪሑን መንበሪኡ ገይርዎ ከምዝነበረ ዝተዛረቡ ስድራ ግዳያትን ነበርቲ እታ ጣብያን፣ ኣስከሬን እቶም ሰላማዉያን ሰባት ንኣስታት 30 መዓልቲ ከይተቐበረ ኣደዳ ኣራዊት ከምዝኮነ ሓቢሮም።

እዚ ኩነታት ንህዝቢ ትግራይ ዝያዳ የሐርኖ እምበር ኣየምበርክኾን ዝበሉ እዞም ወገናት ፣ እቲ ሐዚ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ፈንፂሕና ንምዉፃእን ፀላእትና ንምድምሳስን ኩሉ ዝኸኣለ ክቃለስ ፀዊዖም።

#ወልደምህረት ገዛኢ

Source: Dimtsi Weyane