7 ሕዳር 2021
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር 4፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ስዒቡ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንክልላዊ መንግስቲ ምስ ኣለየ፡ ትግራይ ንሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምምሕዳር እያ ተመሪሓ።
ኣብ መወዳእታ’ውን በይናዊ ተኩሲ ጠጠው ምባሉ ኣዊጁ ሰራዊት ካብ መቐለ ከውጽእ ምስተገደደ፡ ሓቢሩ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ’ዩ መፂኡ።
ሕዚ ኣብ ሓንቲ ወጻኢ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ምስ ዝሓተተ፡ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ፡ ዘካየድናዮ ሰፊሕ ሙሉእ ቃለ-መሕተት እነሆ።
ቢቢሲ፡ ካብቲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረካ ሓላፍነት ንርእስኻ ብምግላል፡ ካብ ኢትዮጵያ ወፂእኻ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ ኣለኻ። ነዚ ዝደረኸካ ነገር እንታይ’ዩ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ይምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ትግራይን ብዝተፈጠረ ጎንፂ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ታሪኽ ይቕረ ዘይበሎም ኣዝዮም መሰከፍቲ ናይ ኩናት ገበናትን ጠጠው ንክብሉ ተደጋጋሚ ፃውዒት የቕርብ ኔረ። ከም ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፀናሕናሉ ሸሞንተ ወርሒ ሙሉእ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጠጠው ከብሎ ድሌት ከምዘይብሉን፡ ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ንምምፃእ’ውን ድልውነት ስለዘይነበሮን፡ ነዚ ተቓዊመ እየ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዑቕባ ሓቲተ ዘለኹ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓቢረ ክሰርሕ እየ ኢልካ ኣቲኻ ክተገልግል ጸኒሕኻ፡ ኣብ ሕዚ በፂሕካ ከምኡ ምባል ኣይከብድን’ዶ? ወይስ ኣብ ሞንጎኹም ፍልልይ ስለዝተፈጠረ እዩ።
ገብረመስቀል ካሳ፡ ምስ ውድብ ብልፅግና ብምዃን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከኽብር እየ ኢለ እየ ዝሓስብ ኔረ። ኣብ ትግራይ ምስ ከድና እቲ ኲናት’ውን ምስተፈጠረ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፊሕ ገበን እናተፈፀመ ብዓይንናርኢና። መንግስቲ ፌደራል’ውን ነዞም ገበናት እዚኦም ጠጠው ናይ ምባል ድሌታት ስለዘይብሉ ብዙሕ ቃልሲ ድሕሪ ምግባር፡ እቲ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ፡ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘይፈሊ ኣካይዳ እዩ ዝኸይድ ኔሩ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2010 ዝመፅአ ለውጢ ናይ መንግስቲ ብወፃኢ ሓይልታት ዝድገፍን፡ ኮነ ተባሂሉ ተተሊምሉ ዝፀንሐን ዝተሓሰበን ስለዝኾነ፡ ነዚ ዝተሓባበሩ ኣካላት ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ዝነበረ ገበናት ጠጠው ከብሉ ድሌት ከምዘይብሎምን ዕላምኦም ሓደ ምዃኑን ተረዲአ። ተጋሩ ከም ተጋሩን ህዝቢ ትግራይን ካብ ምድረ ገፅ ምጥፋእ ስለዝኾነ ዕላምኦም ነዚ ብምቅዋም እየ ንደገ ወፅየ ዘለኹ።
ቢቢሲ፡ እቶም ናይ ወፃኢ ሓይልታት እትብሎም እንመን እዮም?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ሓደ፡ ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ምእታው ጥራሕ’ውን ኣይኮነን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሰፋሕቲ ገበናት ፈፂሞም። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራን ሓሻኻሩን ሰራዊቱን ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ምንም ዘማትእ ጉዳይ የለን። ህዝቢ ኤርትራ ሓውና ከምዝኾነ ወሲድካ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስታዊ መዋቕርን ሰራዊትን ግን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተዋደደ ገበን ዝፈፀመ ስለዝኾነ፡ እዚ ናይ ወፃኢ ሓይሊ እዩ። ብዝኾነ ዓይነት መለክዒ ናብ ትግራይ ክኣቱ ክፍቀደሉ ኣይግባእን ኔሩ። ኣብ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራሕ’ምበር እዞም ሓይልታት እዚኦም ክኣትዉ ኣይግበኦምን ኔሩ። ብዝኾነ ንብዙሕ ግዘ ሓሲቦምሉን ናተዳለዉን ከምዝፀንሑን እየ ዝኣምን። ኣነ ናይ ዓይኒ ምስክር እየ፤ ድሕሪ እቲ ኵናት መጀመርታ ናብ ትግራይ ዝኣተኹ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ እየ፤ መወዳእታ’ውን እየ ወፀየ። ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ትግራይ ይፍፀሙ ዝነበሩ ገበናት ብሙሉኦም ብኹሉ ዓይነት መለክዒ፡ ዘርኢ ናይ ምፅናት ገበናት እዮም ተፈፂሞም፡ መረዳእታ’ውን ስለዘለኒ።
ቢቢሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈፂሙ ዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ቅትለትን የፃርዮ ከምዘሎን እዩ ዝገልፅ። መንግስቲ ኤርትራ ግና፡ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣይተሳተፉን ዝብል ቅዋም ኣለዎ። ናብ ዝቕፅል ሕቶ ክንሰግር እሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ሓይልታት ትግራይ ንርእሰከተማ ትግራይ መቐለ ኣብ ዝቆፃፀርሉ እዋን፡ መንግስቲ ፌደራል ድማ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ኣዊጁ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ዝበዝሕ ኣባል ግዝያዊ ምምሕዳር’ውን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስኣበባ’ዩ ወፅዩ። ኣብቲ ፃት ዝነበረ ኩነታትን ኣወፃፅኣኹምን ከመይ ኔሩ?
ቢቢሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓረስቶት ኣብ እዋን ክራማት ሓረስቶት ናይ ሕርሻ ስራሕቶም ክውግኑ ምእንታን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ከምዝኣወጀ እዩ ዝገልፅ። ኣብዚ ግን ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብቲ ፃት ክትወፅኡ ከለኹም ፈቲኹም ድኹም ወፂኹም ፀቕጢ ኔሩ እዩ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ንክልቲኦም፡ ንዶክተር ደብርፅዮንን ጌታቸው ረዳን እንድሕር ሒዝና ኵናት ትግራይ ክውዳእ እዩ ኢሎም ስለዝሓሰቡ፡ ኣብ 3 መዓልቲ ተፀበዩና ብኢዶም ሒዝና ክነምፅኦም ኢና ኢሎም፡ ብጣዕሚ ገዚፍ ሰራዊት ናብ ከባቢ ቆላ ተምቤን ኣዋፊሮም። ግን ኣብ ቆላ ተምቤን ምስ ከዱ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከቢድ ውቅዒት ኣጋጢምዎም። እቲ ዝኸደ ሓይሊ ተደምሲሱ፣ ተወሳኺ ሓይሊ ተላኢኹ ተደምሲሱ፣ ብጣዕሚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ተደምሰሱ፡ እቲ መከላክያ ሃዲሙ። እዚ ኩሉ ክፍጠር ከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምንም ሓበሬታ የብሉን። እቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ኣብ ቆላ ተምቤን ዝገበርዎ ግጥም ተሓቢኡና እዩ ፀኒሑ። ደሓር ሰነ 20 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ኣጋምሸት፡ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ናብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ይሃድም ኔሩ። ንሕና’ውን ናይ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝተኣወጀን ኣይተነገረናን። ብዝኾነ ክንወፅእ’ውን ኣይተሓባበሩናን እቶም ምሳና ዝነበሩ ናይ ውልቀ ዓጀብትን ናይ ፌደራል ፖሊስን ሪፓብሊካን ጋርድን ሒዝና፡ ምስቶም መከላክያ ኢና ኣብ መወዳእታ ሰኑይ ከባቢ ሰዓት 10፡00 21 ሰነ ወፂእና። ክንወፅእ ከለና ካብ ኩሉ ኣንፈታት ብኣንፈት ሳምረን ካብ ኣንፈት ኣጉላዕን ዝመፅኡ ብጣዕሚ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣዝዮም ደኺሞም ብእግሮም ይሃድሙ ከምዝነበሩ ብዓይንና ርኢናዮም። ስለዚ ተሳዒርና ክብሉ ስለዘይደለዩ፡ ተኹሲ ጠጠው ኣቢልና ክብሉ ይኽእሉ’ዮም። ንሕና ግን ዝተዓዘብናዮን ብዓይንና ዝረኣናዮን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ዝወፅአ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከቢድ ስዕረት ስለዝበፅሖ ከምዝኾነ ኢና ርኢና።
ገብረመስቀል ካሳ፡ ኣብ ኣክሱም ሆቴል ኣብ ሓደ ቦታ ክንቅመጥ እዩ ተጌሩ። ኣብ መወዳእታ ሰራዊት ኤርትራ ናብ መቐለ ከምዝኣቱ ኢና ንፈልጥ ኔርና። ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቕናን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክኽበር፣ ሕገ-መንግስቲ ክኽበር፣ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ዝፈፀሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ፣ ብዘይ ወዓል ሕደር ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሕ ዘሎ ገበንን ጨፍጫፍን ጠጠው ንከብሎ ንሓትት ስለዝነበርና፡ ኣብ ማእኸል ተሪፍና። ኣብ ሆቴል ኣክሱም ምስኣከቡና፡ ንሶም ገዲፎምና ወፅዮም። ንሕና ነቲ ኩነታት ብምዕዛብ፡ እቶም ናይ ውልቀ ዓጀብትና ክንወፅእ ስለዝነገሩናን እንታይ’ዩ ይግበር ዘሎ ዝብል ሓበሬታ ስለዘይነበረናን ናብ ኣዲስኣበባ ወፂእና።
ቢቢሲ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወፃእኹም ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝሕኹም ክንደይ ኢኹም? ክሳብ እታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝወፃእኻላ ዕለት’ከ፡ ኣታሕዛኹም ከመይ ኔሩ? እቶም ዝተረፉ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከቡ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ካብቲ ናይ ክልል ካቢኔ ኣባልን ናይቲ ክልል ላዕለዋይ ኣመራርሓን ዝነበረ 9 ንኾን ኢና ወፂእና። እቶም ሓይልታት ምክልኻል ናይ ትግራይ ብከባቢ ሳምረ ብደቡብ ትግራይ’ውን መጥቃዕትታት ይፍንዉ ስለዝነበሩ፡ ካብ ወረዳን ዞባታትን ሃዲሞም ናብ ኣዲስኣበባ ዝመፅኡ ኣለዉ። ብዝሖም ብግምት ኣስታት 300 ከባቢ እዮም።
ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተና፡ንምንታይ ኢና ተሳዒርና ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምኽንያት ክፈጥር ስለዝነበሮ ኣብ ዕፁው ኣኼባታት ነካይድ ኔርና። እቲ ፌደራል መንግስቲ ብምኽንያት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር’ዩ ተሳዒሩ ኢሎም ደምዲሞም። ንሕና ኸዓ ሲቪላዊ መንግስቲ ኢና ነመሓድር ኔርና’ምበር ወተሃደራዊ መራሕቲ ኣይነበርናን። ነዚ ስዕረት እዚ ክሕተቱ ዝግበኦም ነቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝመርሑ ሓለፍቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ’ዮም ኢልና ሞጊትናዮም። ብዝኾነ ነቲ ናይ ክልል ዝነበረ ዝተወሰነ፡ ናይ ሰለስተ ወርሒ መሃያ ተዋሂብዎ ተበቲኑ፡ ድሕሪ ገዲም ኣይንፈልጠኩምን፡ እንተደሊኹም ፖለቲካዊ ውድብ ክትምስርቱ ትኽእሉ፡ እንተደሊኹም’ውን በረኻ ትኸዱ ትኽእሉ ዝብል ምላሽ ተዋሂብዎም፤ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዝወደቑ እፈልጥ እየ። ዝተወሰኑ ከዓ እሙናት’ዮም ዝበሃሉ ኣባላት ናይ ብልፅግና ፓርቲ ዝነበሩ፡ 16 ዝኾኑ ኣብ ሆቴል ኣቐሚጠሞም፡ ክሳብ ሕዚ’ውን መሃያ ይኸፍልዎም።
ቢቢሲ፡ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ‘ንፌደራል መንግስቲ ተኣመንቲ ኣይነበርኩምን፡ ንህወሓት ትስልሉ ኔርኩም’ ዝብል ቅረታ ይቐርብ’ዩ፡ ብወገን ህወሓት ድማ ‘ተለኣኣኽቲ ኔርኩም ኢኹም’ ትበሃሉ። ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለካ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ናይቲ ፌደራል መንግስቲ ተለኣኣኽቲ ኣይኮነን፤ ምስ ህወሓት’ውን ዝኾነ ዓይነት ርክብ ኣይነበሮን። ንሕና ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ናይ ምድሓን ስራሕቲ ጥራሕ ኣትኩርና ኢና ንሰርሕ ኔርና። ኣብ ሞንጎና ብጣዕሚ ውሑዳት ንመንግስቲ ፌደራል ዝለኣኣኹ ኣባላት ኔሮምና’ዮም። ኣብ ሞንጎናን ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝነበረ ኣፈላላይ ግልፂ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም መንግስቲ’ውን ክትኣምኖ ብጣዕሚ ዘፅግመካ ሓይሊ እዩ። ካብ ሽረ ክሳብ ማይመኽደን ኣስታት 300 ኪሎሜትር ዝኾን፡ እቲ ዓብይ መገዲ ናይ ትግራይ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዩኒፎርም ዝተኸድኑ ሰራዊት ኤርትራ ወዲቑ፣ ትካላት ብሰራዊት ኤርትራ እንደዓነወ፣ መናእሰይ ገዛ ንገዛ እናተደለዩ ብጥይት እንዳተጨፍጨፉ ከለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንሽድሽተ ወርሒ ዝኣክል ‘ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ የለን’ ዝብል ክሕደት እዩ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ፈፂሙ። ንስኹም’ውን ትፈልጥዎ ኢኹም።
ቢቢሲ፡ ንስኻ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝነበርካሉ ግዘ፡ ከም ውልቀኻ ኮነ ከም ምምሕዳር፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተጣየሸሉ ዕላማ ኣሳኺዕና ኢልኩም ዶ ትሓስቡ? በቲ ህዝቢ ተቐባልነት ኔርኩም’ዶ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ወርሒ ኣነ ዝተዓዘብክዎ፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ወፃኢ ተሓባቢሩ፡ ብሕጋዊ መገዲ ንዝመረፅናዮ መንግስትና ኣፍሪስዎ እዩ’ ኢሉ ስለዝኣምን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ደሓር ግን ናትና ናይ ትኹረት ኣንፈትና ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ ስለዝነበረ፡ እዞም ቆልዑ ደቅና ግዲ እዮም ኢሉ ዝተወሰነ ምምሕያሻት የርእይ ኔሩ። ብዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጣይሹ ዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ሓይሊ ከምዘይቕበል ኣረጋጊፅና። ንሕና’ውን ‘ህዝቢ ኣይተቐበለናን’ ኢልና፡ ንባይቶ ፌደረሽን እታ ሃገር ኣፍሊጥና ኢና። ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር’ውን “ህዝቢ ትግራይ ተቓዊሙና’ዩ፡ ዝኾነ ዓይነት ካብ ፌደራል ንዝለኣኽ ሓይሊ ናይ ምቕባል ዝንባለ የብሉን። ስለዝኾነ’ውን ዕድል ክወሃቦ’ዩ ዝግባእ፡ ሰላማዊ ዝርርብ ይገበር” ኢልና ብተደጋጋሚ ኢና ሓቲትናዮ።
ቢቢሲ፡ ንስኹም ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝነበርክምሉ ግዘ፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት፣ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዓፀቦን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናይ ረድኤት እኽሊ ብኣመራርሓ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ይሽየጥ ኔሩ። ኣብዚ እንታይ ትብል?
ገብረመስቀል ካሳ፡ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀልማት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ እናሃለወ፣ ካብ ኩሉ ኣንፈት እግሩ ናብ ዘምርሖ ጨኒቕዎ እናሃደመ፣ ፈቖዶ ጠምዩ እናወደቐን እናሞተን እናሃለወ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ይሸጡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩን ናይ ትግራይ ስነ-ልቦና ዘይብሎምን ብቐጥታ ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒልና፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘውዓልናዮም ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣመራርሓታት ኔሮም። ግን እዚኦም ናይ ፌደራል መንግስቲ ተለኣኣኽቲ ስለዝነበሩ፡ ፌደራል መንግስቲ ዳርጋ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ኣፍቲሕዎም። ደሓር’ውን ነቶም ህዝቢ ትግራይ ዝተፀየፎም ኣመራርሓታት ናይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናይ ድሕንነት ኣባላት ጌሩ ንመቐለ ልኢኽዎም። ብዝኾነ ናይ ረድኤት እኽሊ ዝሸጡ ኣመራርሓ ኔሮም’ዮም፣ እናጠቆሙ ንፁሃት ዜጋታት ዘቕትሉ፣ ንብረት ህዝቢ ትግራይ ምስ ፀላእቲ ሓይልታት ተሓባቢሮም ዝሰርቁን ዝሸጡን ሓይልታት ኔሮም። እዚኦም ከዓ ብቢሮ ፀጥታን ምሕዳርን ፖሊስ ኮምሽን ክልል ትግራይን ዝተኣሰሩ እዮም፡ ብስም’ውን ንፈልጦም ኢና። እንተኾነ ናብ ቤት-ፍርዲ ስለዘይቀረቡን ፌደራል መንግስቲ’ውን ስለዝተኸላኸለሎምን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክነውዕሎም ኣይኸኣልናን።
ቢቢሲ፡ ንህዝቢ ዝመፅአ ረድኤት ምሻጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሰብሃፍቲ ብምዕጋት ሚልየናት ክኸፍሉ ምግዳድ ኔሩ። ኣብ ስርቂ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ብልሽውና’ውን ተሳቲፉ’ዩ ዝብል ክሲ እዩ ዝቐርበሉ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር። ኣብዚ እዋን ድማ ንስኻ ሓላፊ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኢኻ ኔርካ እሞ፡ ሕዚ ኣብ ከምዚ ዝተሳተፉ ኣባላት ኔሮም ክትብል ከለኻስ፡ ንስኻ’ኸ ኣብዚ ተግባር ኣይተሳተፍካን ድኻ? ንስኻ ንርእስኻ ከመይ ጌርካ ንፁህ እየ ምባል ትኽእል?
ገብረመስቀል ካሳ፡ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ጠልቆምቆም ዝኣተዉ፣ ኣብ ስነ-ልቦና ህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ውዱቕ ስራሕ ዝኣተዉ ኣመራርሓታት እንመን’ዮም” ዝብል ኣብ ናይ ሰለስተን ሽድሽተን ወርሒ ገምጋማት ተገምጊሞም’ዮም። ኣነ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ቤት-ፅሕፈት እናሃለኹ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ብኣሽሓት ናይ ዝቑፀር ሰብ ጥቆማታት ይመፅእ ኔሩ። ከም ሓላፊ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንክኣትዉ ትእዛዝ ሂበ እየ። ናብ ኮማንድ ፖስትን ናይ ትግራይ ካቢኔን’ውን እዚ ሓበሬታ ቀሪቡ’ዩ። ስለዚ በቲ ካቢኔ’ውን ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ቁፅፅር ዘውዓልናዮም ስለዝኾነ፡ ካብ ሓላፍነቶም’ውን ተላዒሎም ክባረሩ ዝገበርናዮም፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምልጡ ዘይኽኣሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘውዓልናዮም’ውን ኣለዉ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ፡ ካብቲ ናይ ዞባ ምብራቕ ግዝያዊ ምምሕዳር ልዕሊ 6 ሚልየን ብር ብቐጥታ ናብ ኣካውንቱ ኣሕሊፉ፤ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒልናዮ፡ ክሳብ 21 ሰነ ካብ መቐለ ንወፀሉ ኣብ መቐለ’ዩ ኔሩ።
ቢቢሲ፡ ብኸመይ ኢኹም ኣረጋጊፅኩም፡ መርትዖኹም እንታይ እዩ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ብስሞም ኣብ ኣካውንቶም ከምዝተቐመጠ ዝገልፅ ሰነድ፡ ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ረኺብናዮ። ንሕና ክንሸሞም ከለና ኣብ ባንኪ ሒሳቦም 50 ወይ 100 ብር ጥራሕ ዝነበሮም ሰባት፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ካብ 6 ክሳብ 7 ሚልየን ብር ኣብ ኣካውንቶም ተራእዩ። ኮምሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ሓላፍነት ወሲዱ ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተዘራሪቡ ከፃርዮ ከሎ፡ ኣብ ስርቅን ጠልቆምቆምን ከምዝኣተዉ ዝተረጋገፀ እዩ።
ቢቢሲ፡ ካልእ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ሂዩማን ራይትስ ዎችን ካልኦትን ኣብ ከተማ ኣክሱም ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ቅትለት ከምዝተፈፀመ’ዩ ዝግለፅ። ከም ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ኔርኩም’ዶ? ንምንታይ ከም ግዝያዊ ምምሕዳር መግለፂ ዘይውፃእኽምሉ? ኣብዚ ጉዳይ ውልቃዊ ተሞክሮኻ እንታይ’ዩ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ከም ውልቀይ ናይ ኣክሱም ምውሳድ ይከኣል እዩ። ኣብ ኣክሱም 19 ሕዳር ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ጃምላዊ ጨፍጫፍ ከካይድ ከሎ ኣብ ሽረ ኮይንና ስለዝሰማዕና ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣነን ካልኦት ሰለስተ መሳርሕተይን ኮይና ናብ ከተማ ኣክሱም ተጓዒዝና። ሰራዊት ኤርትራ ንኣክሱም ከይንኣቱ ከልኪሉ፡ ኣብ ከባቢ ጎቦ ዱራ ዓጊቱ ኣሕዲሩና። ንጉሆ 21 ሕዳር ናብ ኣክሱም ምስ ኣተና፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ መናእሰይ ፎቖዶ መገዲ ተቐቲሎም፡ ከይተቐበሩ ረኺብናዮም። ዓበይቲ ዓዲ ኣተሓባቢርና ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝርርብ ጌረ። እቲ ሓላፊ ናይ ሰራዊት ኤርትራ፡ “ንሕና ኣይቀተልናዮምን፡ ባዕሎም ንባዕሎም’ዮም ተቓቲሎም” ኢሉ። ነቲ ህዝቢ ኣኪብና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ንፁሃት መናእሰይ ጃምላዊ ቅትለት’ዩ ፈፂሙ። ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ጥራሕ ዘይኮነስ ገዛ ንገዛ’ውን እናዘረ ካብ ገዛ እናውፅአ ብዙሓት መናእሰይ ቀቲሉ። ሕዳር 21 ን 22ን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊትን ፌደራል ፖሊስን ኮይንና ሬሳታት ብጋሪ ኣሪና ክቕበሩ ጌርና። ልዕሊ 800 ንፁሃት መናእሰይ ኣብ ከተማ ኣክሱም ብሰራዊት ኤርትራ ተጨፍጪፎም እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ኩሎም ኣምባሳደራት ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ሂብናዮም፣ መፅናዕቲ ክካየድ፡ ኣብቲ መፅናዕቲ ድማ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከይሳተፍ ነጊርናዮም ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ማይካድራ ኣዝዩ ወገናዊ ዝኾነ ፀብፃብ ኣውፅዩ ስለዝነበረ፡ ኣብ ኣክሱም፣ ማርያም ደንገላትን ሽረን እንታይ’ዩ ተፈፂሙ ዝብል ዘይሻራዊ ኣካል ከፃርዮ ሓቲትና ንክፅናዕ’ውን ሰፋሕቲ ፃዕርታት ጌርና ኢና።
ቢቢሲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣክሱምን ካልኦት ከባብታት ትግራይን ንዝፍፀሙ ቅትለታት ሰራዊተይ ነዚ ኣይፈፀመን ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዎ። ካብ ቅትለታት እንከይወፃእና፡ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ኣባላት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተቐቲሎም’ዮም። ብዝሖም ክንደይ እዮም? ሓለዋ ኣይነበሮምን ድዩ? እንታይ ይስመዐካ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ልዕሊ 50 ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር’ዮም ተቐቲሎም፤ ንምንታይ ከምዝቕተሉ’ውን ኣይርደአናን፤ መን’ዩ ቀቲልዎም’ውን ኣይንፈልጥን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ቀቲልዎም ይብል። ንሕና ግን ኣብ ትግራይ ኣዝዮም ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ፣ መንግስታዊ መሓውር ዘለዎም ኣብ ልዕሊ ህዝብናንን መናእሰያት ትግራይን ሰፊሕ ገበን ዝፍፅሙ ኣካላት ስለዝነበሩ፡ ነዚ ቅትለት መን’ዩ ፈፂምዎ ዝብል ክርድአኒ ኣይኽእልን። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክከላኸልሎምን ሒዘሞም ክወፁን እናተገብኦም፡ ግን ካብቲ ቦታ ክወፅኡ ከለዉ ገዲፈሞም፡ ከይነገርዎም ለይቲ እዮም ዝወፅኡ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ወፅዩ ምስተብሃለ’ዮም ድማ ዝቕተሉ። ስለዚ መን እዩ ቀቲልዎም ዝብል ንፁር ኣይነበረን።
ቢቢሲ፡ ንስኻ ንቅትለት ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ነቲ ኮማንድ ፖስት ኢኻ ተሓታቲ ትገብር። ብመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ግን እቶም ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ብህወሓት ወይ ብሓይልታት ትግራይ ይቕተሉ ዘለዉ ዝብል መግለፂ ብስምኩም ወግዓዊ ኮይኑ ኔሩ። እዚ ካበይ ዝመፅአ እዩ ደኣ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዝኾነ ቦታ ክወፅእ እንከሎ ኣባላት ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሒዙ ንክወፅእ ስምምዕ ኔሩና እንድዩ፡ ንምንታይ እዮም ገዲፈሞም ዝወፅኡ? እዞም ኣመራርሓ ገዲፈሞም ምስ ወፅኡ’ዮም ተቐቲሎም፤ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሽርሒ ከምዝተሰርሐ ዘመልክት እዩ። ብዝኾነ ክፃረይ’ዩ ዝግበኦ። ብሓደ ወገን ህወሓት’ዩ ቀቲልዎም ዝብል ግን ኣይቅበሎን። እቲ መግለፂ’ውን ንሕና ዘይኣመናሉ፡ ንሶም ዓቕሚ ስለዘለዎም ኩለ ነገር ኣብ ኢዶም ስለዝኾነ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ብስም ግዝያዊ ምምሕዳር ባዕሎም ኣውፅየሞ። ገበኖም ንምሕባእ ብስምና ዘውፅእዎ መግለፂ’ምበር እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሙሉእ ብሙሉእ ነቲ መግለፂ ነፂግዎ’ዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ትእምርተ ነፃነትን ታሪኽን ትግራይ ዝኾኑ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይን ቤተ-መዘክር ንጉሰነገስት ኢትዮጵያ ሃፀይዮውሃንስ ራብዓይን፡ ዕንወት ከምዝወረዶም ይግለፅ። ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዝነበረ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት’ውን ብቀጥታ ናብ ቤት-ፅሕፈት ብልፅግና ትግራይ’ዩ ተቐይሩ። እቲ ዕንወት ሓቂ ድዩ? መጠን እቲ ዕንወት ክንደየናይ ኔሩ? እዚኦም ታሪኻዊ ቦታታት ብመን እዮም ዓንዮም?
ኣይተ ገብረመስቀል፡ ኩሎም እዞም ቦታታት እዚኦም ብሰራዊት ኢትዮጵያ’ዮም ዓንዮም። ንሕና’ውን ብዓይንና ዝረኣናዮ ስለዝኾነ። ኣነ’ውን ብውልቀይ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሃፀይ ዮውሃንስን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታትን ዝነበሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብዓለምለኸ ሕግታት’ውን ወተሃደራት ኣብ ሓደ ቅርሲ መዓስከር ክሰርሑ ወይከኣ ኣብኡ ክነብሩ ስለዘይፍቀድ፡ ነቲ ቅርሲ ተዕንውዎ ስለዘለኹም፡ ካብዚ ቦታ እዚ ክትወፅኡ’ዩ ዝግባእ ኢለ ሓቲተዮም ኔረ። ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ዝነበሩ ግን ነቲ ናተይ ሕቶ ነፂገሞ። ከም ግዝያዊ ምምሕዳር’ውን ኣብ ኮማንድ ፖስት ብዙሕ ግዘ ኣቕሪብናዮ፡ ካብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይን ቤተ-መንግስቲ ሃፀይዮውሃንስን ክወፁ ሓቲትናዮም ኣይተቐበልዎን። ናይቲ ቪኣይፒ ፕሮቴክሽን ዝበሃል ኮማንዶ እዩ። ካብ 700 ክሳብ 800 ዝኾን ብዝሒ ኔርዎ። ነዚኦም ክልተ ቦታታት እንተድኣለቒቕና ህወሓት ነቲ ከተማ ብቐሊሉ ከጥቅዕ ስለዝኽእል፡ ስትራቴጂካዊ ቦታታት ስለዝኾኑ ኣይነለቅን ኢሎም መልሲ ሂቦምና። ካብ ዓቕምና ብላዕሊ ብዝኾነ መገዲ ክቐትሉና’ውን ስለዝተሓነዩ፣ ክንዋግኦም እንተዘይኮይንና ምንም ክንገብር ስለዘይንኽእልን ናይ በዓልና ሓይሊ’ውን ስለዘይነበረና፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነዞም ቅርስታት እዚኦም ሙሉእ ብሙሉእ ኣዕንይዎም ወፅዩ፤ ብዓይንና’ውን ርኢናዮም ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ መጀመርታ ከባቢ 100 ኮምፒዩተራት ኔረን፡ ደሓር ኣቲና ክንርእዮ ከለና ግን ሙሉእ ብሙሉእ እዘን ኮምፒዩተራት ተወሲደን። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ናይ ኮምዩኒኬሽን መስመራት’ውን ብሙሉእ ተቖራሪፁ ዓንዩ፣ ኣብ ሙዝየም ዝነበሩ ቅርስታት ብሙሉኦም ተቐዳዲዶም ተቓፂሎም ተደርብዮም።
ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ናብ ዘጋጠሙኻ ውልቃዊ ፍሉይ ተጓንፎታት ክንመፅእ እሞ፡ ግዳይ ማዕገትቲ ኮይንካ ኔርካ ይበሃል። እስኪ ብዛዕባ እዚ ኣውግዐኒ?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ናይ መጀመርታ ዝተዓገትናዮ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምዕራብ ትግራይ ናይ ሂማኒቶርያን ኮሪደር ሰባት ካብቲ ማእኸል ኵናት ንከይወፅኡ ተኸልኪሎም እዮም ዝብሉ ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ይበፅሑና ነይሩ። ነዚ መስመር ንምኽፋት ናብ ማይ ካድራ ዝገበርናዮ ጉዕዞ ብፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ኣብ ከባቢ ከተማ ደብረማርቆስ ተዓጊትና። ክቐትሉና’ውን ደልዮም፤ ተወሳኺ ሓይሊ ካብ መንግስቲ ፌደራል ተላኢኹ ድሒንና። ነቲ ዓጊቱና ዝነበረ ኮማንደር ፍሉይ ሓይሊ ናይ ኣምሓራ ብተደጋጋሚ ካብ መንግስቲ ፌደራል ስልኪ ይድወሎ ኔሩ፡ ከሕልፈና ፍቓደኛ ኣይኮነን። ኣነ ኣብኡ ብስልኪ ዝሰማዕኽዎ ‘ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ነገራት ተፈፂሞም እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ዋላ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይኽዱ ተጋሩ’ዮም፣ መረዳእታ ሒዞም ጉድና ከውፅእዎ’ዮም’ ኢልዎ። ‘ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘይተስተካኸለ ጉዳይ ኣሎ፤ ዝኾነ ይኹን ትግራዋይ ናብ ምዕራብ ትግራይ ክነሕልፎ ኣይንፈቅድን መጀመርታ እዞም ክፍተታት ክነስተኻኽሎም’ ኢሉ። ኣነ ሻቡ ኣብ ማይ ካድራ ብዙሓት ተጋሩ ከምዝተጨፍጨፉ ሓሲበ።
ቢቢሲ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓዄ ኵናትን ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላውን፡ ብኸመይ ይፍታሕ ትብል? እንተዘይተፈቲሑ’ኸ ነታ ሃገር ናበይ ከምርሓ ይኽእል?
ገብረመስቀል ካሳ፡ ኣብ ትግራይ ነመሓድሮ 75 ወረዳ ኔሩ። ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ዋላ ኣብ ሓደ ወረዳ እሺ ኢሉ ዝተቐበለና ኣይነበረን፤ ነቲ ሰራዊት ምክልኻል’ውን ዝተቐበሎ የለን። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ፖለቲካዊ ውግንና ስለዘለዎ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሕማቕ ተግባሮምን ይፍፅምዎ ዝነበሩ ገበንን ርእዩ፡ ህዝቢ መንነቱ፣ ታሪኹን ክሕሉ ሓሪኑ ንበረኻ ይወፅእ ስለዝነበረ። እዚ ኸዓ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ፡ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ እቲ ጎንፂ ብዕርቂ ንክፍታሕ ንሕብረት ኣውሮጳን መንግስቲ ኣሜሪካን ሓቲትናዮም ኔርና። ዝተፈላለዩ ትካላት’ውን ብውልቀ ኣዛሪብናዮም ኢና። ካልኣይ ድማኵናት ንሓደ ውድብ ጥራሕ ዘነፃፀረ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ እዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ን30 ዓመት ብፅፍሩን ብረሃፁን ዝመስረቶም ትካላት ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዮም እዮም። እዞም ትካላት እዚኦም ኸኣ፡ ኣብ ኵናት ኣይኮኑን ዓንዮም። ንኣብነት ከም ኣልመዳ ጨርቃጨርቅ ፋብሪካ፣ ፋብሪካ መድሓኒት ዓድግራት፣ ጎዳ ብርጭቆ ፋብሪካ፣ ፋብሪኣከ ሳባ እምነ ረድ፣ ኣብ ከባቢ ውቕሮ ዝነበረ ናይ ማርቭል ስቶን ፋብሪካን፡ ብሰራዊት ኤርትራ ክዓንዉን ተዘሚቶም ክውሰዱን ከለዉ፡ ኣብ ትግራይ ኵናት ኣይነበረን።
ህወሓት 100 ሚእታዊት ተሳዒሩ’ዩ ኢሎም ምስኣመኑ፡ንህዝቢ ትግራይ ዝከላኸለሉ ሓይሊ የለን ኢሎም ምስ ኣመኑ’ዮም ነዚ ገበን እዚ ፈፂመሞ። ገዛ ንገዛ እናዘሩ’ውን ሰፋሕቲ ቅትለታት ዝፍፅሙን መናእሰይ ይቐትሉ ዝነበሩን ኣብቲ እዋን ኵናት ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ኣካይዳ እዚ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኸዓ ሱቕ ኢልካ ብጥይት ጨፍጪፍካ ስለዘይትውድኦ፣ ምእንተ መንነቱን ክብሩን ህይወቱ ክከላኸል ባህርያዊ’ውን ስለዝኾነ፡ ሰፊሕ ቀውሲ ክለዓል’ዩ ብዝርርብ ይፈታሕ ኢልና ሓቲትናዮም፡ መንግስቲ ፌደራል ውድቂ ጌርዎ።
እቲ ኵናት ካብ ኣምሓራን ዓፋርን ሓሊፉ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ’ውን ናይ ምልሓኽ ዝንባለታት ኣለዎ። ብዝኾነ ሕዚ’ውን ስለዘይመሰየ ኩሎም ዝምልከቶም ዓለምለኻዊ ትካላት፣ ይምልከተና እዩ ዝብሉ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሓይልታትን፡ ናብ ዘተ ክመፅኡ እየ ፃውዒተይ ከቕርብ ዝደሊ።
[እዚ ቃለ መሓትት ብ 4 ጥቅምቲ 2021 እዩ ተኻይዱ ]።
Source: BBC News Tigrigna
